ኵነታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ

  • በትረ ስልጣን

Your browser doesn’t support HTML5

ኵነታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ንኣገባባት ምስዳድ ገንዘብ ናብ ክልል ትግራይ ንፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ሚካኤል በርሀ ምዝርራብና ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነት ትርከብ፧ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ዝመለሰ ቃለ ምልልስ ቀሪብናልኩም ኣለና።


ብዙሕ ድያስፖራ ካብ ምሉእ ዓለም ገንዘብ ክሰድድ ኸምዝጸንሐን እታ ማሕበር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መራኸቢ ጸገም ነቲ ዝተሰደደ ገንዘብ ብዝድለ ቅልጣፈ ናብ ተጠቃሚ ንምምሕልላፍ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ነዊሕ ጊዜ ስለዝወሰደላ ዛጊድ ንዝተላእኸ ክሳብ ዝጻፈፍ ሓዱሽ ምቕባል ንዘይተወሰነ ግዘ ደው ከምዘበለት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ ኣላ።