ኩነተ-ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣዋጅ ኣብቂዑ

ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነተ ኵናት ክልቲአን ሃገራት ከምዘብቅዐ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ሎሚ ሰኑይ ትሽዓተ ሓምለ ኣብ ዝኸተምዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ኣረጋጊጾም።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል: ኣብ ዝለኣኽዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ነዚ ሓባራዊ ኣዋጅ ማለት “ኣዋጅ ሰላምን ሕውነትን” ዘፍለጡ ክኾኑ እንከለው፤ እቲ ኣዋጅ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ምዃኑውን ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን

ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ: ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምድንፋዕ ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ባህላውን ጸጥታውን መዳያት ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ሓላፊ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣቶ ፍጹም ኣረጋን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝጠቐሶ፤ እቲ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ሕውነትን ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝቖመ እዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን

ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ሕውነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

  • ሃዋህው ኩናት ምብቃዕን ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምምስራት
  • ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምድንፋዕ ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ባህላውን ጸጥታውን መዳያት ክተሓጋገዛ
  • መጎዓዝያ ንግድን ተለኮሚዩኒኬሽንን ክጅምር፤ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ካልኦት ንጥፈታትን ክሕደስ
  • ትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶብ
  • ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ኣብ መዳያት ምውሓስ ዞባዊ ሰላም ልምዓትን ምትሕግ ጋዝን ክሰርሓ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ዛዚሞም ሎሚ ከምዝተመልሱ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።