ዋሽንግተን —
ዝሓለፈ ሰሉስ ተዘኪሩ ዝወዓለ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ ፈለማ ህዝባዊት መደበር ሳትላይት ቴለቪዥን--ኤሪ-ሳት ዝዀነ ሄኖክ ተኽለ (ብጫ) ኣዘራሪብና ኣሎና።
ንቕርጺ እቲ ትካል፡ ምወላ፡ ብዝሒ ኣባላትን ካልኦት ምስታ መደበር ቴለቪዥን ተኣሳሲሩ ዝለዓል ሕቶታትን ንዝምልከት ምላሽ ሂቡ'ሎ።