ኲናት ክልል ትግራይ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፤ ንመጓዓዝያታት ገለ ከተማታት ኣመሪካ ዝዓጸወ ሰለማዊ ሰልፍታት

Your browser doesn’t support HTML5

ኲናት ክልል ትግራይ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፤ ንመጓዓዝያታት ገለ ከተማታት ኣመሪካ ዝዓጸወ ሰለማዊ ሰልፍታት

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ፡ ኣብ በበብይኑ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብተወላዶ ትግራይ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፍታት ክካይድ ቀንዩ። እዚ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝፍጸም ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝፍለ፡ ንሓያሎ ጽርግያታት ኣመሪካ’ውን ዝዓጸወ ስለ ዝዀነ ዝሰፍሐ ኣቓልቦ ገይሩ ኣሎ። ንተሳተፍትን ኣሰናዳእትን እቶም ሰልፍታት ኣዘራሪብና ኣለና።

መዘኻኸሪ፤ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ድማ ክልል ትግራይ፡ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግፍዕታት መርመራ ዘካየደ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብዳብ፡ ኣብቲ ክልል ንዝተፈጸመ ጥሕሰታት ምስ “ህልቂት (ጆኖሳይድ) ዘመድብ መረዳእታ ከም ዘይረኸበ” ኣመልኪቱ ነይሩ።