ዋሽንግተን —
ኮሮናቫይረስ ኣብ ዙሪያ ዓለም ምስፍሕፍሑ ቀፂሉ’ሎ።ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ናይጀሪያ ንፈለማ ግዜ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ምርካቡ ሰበስልጣን ናይጀሪያ ኣረጋጊፆም ኣለው።
እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ኢጣልያዊ ኮይኑ ኣብ ናይጀሪያ ዝነብርን ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ሚላን ናብ ሌጎስ ዝተመለሰ ምዃኑን ተሓቢሩ’ሎ።
ኒውዚላንድ፣ሉትዋኒያ፤ሜክሲኮንን ኢስቶናንያን እቲ ቫይረስ ናብ ሃገርን ምእታው ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝኾነት ትኹን ሃገር ካብቲ ቫይረስ ውሕስቲ ክትኸውን ኣይትኽእልን ኢሎም።
ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ማታመላ ሲሪል ራማፎሳ ማእኸል ስሕበት እቲ ሕማም ኣብ ዝኾነት ናይ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝርከቡ ልዕሊ 130 ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ናብ ሃገሮም ክመልሱ ንሰበስልጣን ሃገሮም ኣዚዞም ኣለው።
ዕዳጋ ዓለም ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሪእይዎ ንዘይፈልጥ ኪሳራ ተቓሊዑ’ሎ።
ብመሰረት ፀብፃባት ውድብ ጥዕና ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ቻይና 2,790 ዝሞቱ ሓዊሱ 83,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።ካብ ቻይና ወፃኢ ኣብ 49 ሃገራት 4,351 በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ 67 ድማ ዝሞቱ ተመዝጊቦም ኣለው።