ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ውግእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ ኢለን

  • Lisa Schlein
    በትረ ስልጣን

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ'ቶም ብዘይ ረድኤትን መጽለሊን ዝተረፉ ሰላማዊያን ሰባት ድማ ከቢድ ሳዕቤን የውርድ ከምዘሎ ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ገሊጸን።

ሚሸል ባችለት‘ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ከምኡውን ኣብ ጎኖም ዝተሰለፉ ምልሻታትን ውግእ ቀጺሉ ኣሎ’ ይብላ።

ንሰን ወሲኸን፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ረድኤትን ናብ’ቲ ውግእ ዝካየደሉ ትግራይ ክኣትው ከምዘይካኣሉ ጠቂሰን። እዚ ማለት፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ሃዋሁ ንዝተቀርቀሩ ሰላማዊያን ሰባት ይወርዶም ዘሎ ኣሻቀልቲ መግሃስቲን መጥቓዕቲታትን ንምርግጋጽ ኣይተካኣለን ይብላ። እንተኾነ፣ ቤት ጽሕፈተን ዛጊት ዝረኸቦ ሓበሬታ ተኣማኒ ኮይኑ ከምዝረኸበኦ ገሊጸን።

ኣብ ክልል ትግራይ ‘ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብኣልማማ ንሰላማዊያን ሰባት ምጥቃዕ፣ ንብረት ዘረፋ፣ ስርቂ፣ መጭወይቲን ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምድፋርን ዝሕብሩ፣ ንመናእሰይ ተጋሩ ኣገዲዶም እናመልመሉ ኣንጻር ናይ ገዛእ ባዕሎም ህዝቢ ንክዋግኡ ይግደዱ ከምዘለው እውን ዝሕብሩ ሪፖርታት ረኺብና ኣለና’ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ውግእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ ኢለን


ሚሸል ባችለት፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባት ግጭት ይላዓል ስለዘሎ ኣሻቃሊ ኩነታት ብምባል ይገልጻ። ንሰን ‘ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌ፣ ዓፋርን ኦሮምያን ዝተወልዑ ውግኣት፣ ሓደጋን ሞትን የስዕቡ ከምዘለው’ውን ጠቂሰን ይብል ሊዛ ሽላይን ካብ ጄኔቫ ዝላኣኸቶ ሪፖርት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።