ዋሽንግተን —
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ኮይኖም ክምርምርዎ`ዮም ተባሂሉ።
ብሓባር ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ውጽኢት`ቲ መርመራ ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ሕቶ ፍትሒ ግዳያት ብኸፊል ዝምልስ ክኸውን`ዩ።
ክልቲኦም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ነቲ ኩነታት ክከታተልዎ ምጽንሖም ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ መርመራ ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝጅምርን ን3ተ ኣዋርሕ ከም ዝቕጽልን እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ኣመልኪቱ`ሎ።