ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኤርትራዊያን ስደተኛታት የጋጥሞም ኣሎ ዝበሎ ጸገማት ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኤርትራዊያን ስደተኛታት የጋጥሞም ኣሎ ዝበሎ ጸገማት ገሊጹ

ስደተኛታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሑዎም ከምዘለው ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ኣዲሰ ኣበባ ዝኣተው ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ስለ ዘይረኽቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ፡፡

ብኻልእ ወገን ኸኣ ብሰንኪ ህፁፅ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ተቋሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ዳግም ምጅማሩ ናይ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ወፃእን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን በአካል ንጉሰ ገሊፆም ኣለው፡፡