ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኤርትራዊያን ስደተኛታት የጋጥሞም ኣሎ ዝበሎ ጸገማት ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ስደተኛታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሑዎም ከምዘለው ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ኣዲሰ ኣበባ ዝኣተው ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ስለ ዘይረኽቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ፡፡