ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሆሮ ጉድሩ ወረዳ አሙሩ ቀበሌ ኣጋምሳ ናይቲ ከባብን ካብ ተዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ዝመጹን ሚሊሻ ልዕሊ 60 ነበርት ቀቲሎም ክብል ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ በቲ መጥቃዕቲ 70 ካል ኦት ነበርቲ ቆሲሎም ልዕሊ 20- ሽሕ ኸኣ ተመዛቢሎም ኢሉ'ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ወሲኹ ቅድሚ'ቲ ናይ ኣጋምሳ ቅትለት ሰለስተ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ነበርቲ ብዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተቐቲሎም ኢሉ'ሎ።