ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ 60 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣፍሊጡ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሆሮ ጉድሩ ወረዳ አሙሩ ቀበሌ ኣጋምሳ ናይቲ ከባብን ካብ ተዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ዝመጹን ሚሊሻ ልዕሊ 60 ነበርት ቀቲሎም ክብል ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ በቲ መጥቃዕቲ 70 ካል ኦት ነበርቲ ቆሲሎም ልዕሊ 20- ሽሕ ኸኣ ተመዛቢሎም ኢሉ'ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ወሲኹ ቅድሚ'ቲ ናይ ኣጋምሳ ቅትለት ሰለስተ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ነበርቲ ብዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተቐቲሎም ኢሉ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዕጡቓት ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ሓይልታት ፋኖን ባባል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝነበረ ፍቃዱ ኣብዲሳ ዝምራሕ ሚሊሻ ኦሮሞን ጥራይ እዮም ኔሮም ኢሉ'ሎ።

እዚ ከምዚ ሉ ከሎ ተቃወምቲ ፓርትታት ኦሮሞ ዖልፍ ፡ግንባር ነጻነት ኦሮሞን
ዖፍጭእን ፡ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስን በቲ ቅትለት ንፋኖ ብምኽሳስ መግለጺ ኣውጺኦምእለዉ።

ካብ ፈደራል መንግስትን እቲ ክልልን ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ግን አይሰለጠን ብመሰረት ጸብጻብ ጸሃይ ዳምጠው ካብ አዲስ አበባ።