ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቆቦ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ተዋጋእቲ ህወሓት ኣብ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦን ከባቢኡን ልዕሊ 600 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉን ካልኦት ከበድቲ ግህሰታት ምፍጻሞምን ናይ መንግስትን ህዝብን ንብረት ምዕንዎም`ውን ግዳያት ተዛሪቦም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ከምዝተሓሳሰቦ ሓጺር መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መንበሪ ሲቪላትን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝግበር ፍተሻን ቅትለትን ምዝራፍን ከምኡ`ውን ዕንወት ንብረት ከምዝወረደ ሓበረታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ኮሚሽን ዝገብሮ መርመራ ከምዝቕጽል ብምግላጽ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ንሰለማውያን ሰባት ናይ ምሕላው ግዴታ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

በቲ ግጭት ካብ ቆቦን ከባቢኡን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ቁጽሩ ንምፍላጥ`ኳ ኣጸጋሚ ምዃኑ`ዩ ይግለጽ።