ዋሽንግተን —
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዘይተቋረፀን ዝተመሓየሸን ሰብኣዊ ረድኤት ንስቪላት ምቕራቡ ክረጋገፅ ኣለዎ ክብል ናይ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ሕፅረት መግብን ገንዘብን፣ናህሪ ዋና መግብን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን፣ ምቁራፅ መጎዓዚያን ነቲ ክልል ይሃስዮ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምስፍሕፍሑ ዝፈጠሮ ናይ ፀጥታ ፀገማት ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ንምእታው ምጉታቱ ዝርዳእ'ኳ እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ሰብኣዊ ኩነታት'ቲ ክልል ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለፂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎም ብተወልደቲ ትግራይ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ምዕፃዎም ፀብፃባት ይበፅሖ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ ።
ገሊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኣሰሩ ተጋሩ ናብ ዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ ካምፕታትን ኣዲስ ኣበባን ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ፖሊስ ካምፕታትን ከምዝግዓዙን እቲ ኮሚሽን ይከታተሎ ከምዘሎን ሓቢሩ።ብዙሓት ናይ ምብፃሕ መሰሎም ከምዝተጣሕሰን ጠበቓታቶምን ስድሮምን ክበጽሕዎም ከምዘይከአሉን: ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡን ሓቢሩ።