ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ንቕትለት ዜጋታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ንግንባር ናጽነት ኦሮሞ ይወቅስ

ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ብግንባር ናጽነት ኦሮሞ 50 ዜጋታት ምቕታሉ ገሊጹ። ከም ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ብ2 ለካቲት ኣብ ኣኖ ዝተባህለ ቦታ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዒላማ ዝገብረ’ዩ ነይሩ። ከም ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን እቲ ኣብ ምብራቕ ወለጋ-ኦሮሚያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንተወላዶ ኣምሓራ ዝዓለመ ኰይኑ፡ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ዘውሕሰሉ መገዲ ክፈጥር ጸዊዑ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኮሚሽን ጸብጻቡ ስድራቤት ግዳያትን ምንጭታት መንግስቲን ብምውካስ’ዩ ኣዳልዩ። እንትርፎ እቶም ዝጠቐሶም ምንጭታት ካልእ ተወሳኺ መረዳእታ ከም ዘየቕረበ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ድማ እቲ ብመንግስቲ ከም ኣሸባሪ ዝፍለጥ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ወሃብ-ቃል ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝዀነ ኦዳ ተርቢ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዒላማ ዘይኰነ መዓለሚ መዓስከር ሰራዊት ኣምሓራ ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዘዳለወሉ እዋን ግን ካብቲ ወሃብ-ቃል መብርሂ ክረክብ ኣይከኣለን።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፡ ነቲ ጉዳይ ንምብራህ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተገብረ ፈተነ’ውን ኣይሰለጠን።