'ኮሊን ፓወል ንኸመይ ይዝከር?' - ፖለቲካዊ ተንታቲ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ሓለቓ ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ኣመሪካ፡ ከምኡ`ውን ፈላማይ ጸሊም ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል ኮልን ፓወል

ሓለቓ ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ኣመሪካ፡ ከምኡ`ውን ፈላማይ ጸሊም ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል ኮልን ፓወል ትማሊ ሰኑይ ኣብ መበል 84 ዕድሚኡ ምዕራፉ ተሓቢሩ`ዩ።

ኣብ 1990 ኣብቲ `ደዘርት ስቶርም` ተባሂሉ ዝተጸውዐ ንዒራቕ ካብ ኩወት ንምውጻእ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ናይ ኣመሪካ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኮይኑ ዘገልገለ ከኸውን ከሎ፡ ድሕሪኡ ኣብ2003 ንመራሒ ዒራቕ ሳዳም ሑሴን ንምውዳቕ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ድማ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ንምዃኑ ጀነራል ኮልን ፓወል ብኸመይ ክዝከር`ዩ ?

ዳቪድ ጃኮብስ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ `መሪ ዋሺንግተን` ፕሮፈሰር ፖለቲካል ሳይንስን ኣህጉራዊ ጉዳያትን`ዩ።"The Costs of War to United Staes Allies Since 9/11" ትብል መጽሓፍ`ውን ዝደረሰ`ዩ። መሻርኽቲ ኣመሪካ ድሕሪ መጥቃዕቲ መስከረም 11 ዝኸፈልኦ ዋጋ ኩናት ተባሂሉ ክትርጎም ይኽእል። ንሱ ብዛዕባ ጀነራል ኮልን ፓወል ክገልጽ ከሎ፡ ሽሕ`ኳ ሰባት ንኮልን ፓወል መብዛሕቲኡ ግዜ ምስ ካልኣይ ኩናት ዒራቕ ዘተኣሳስርዎ እንተኾኑ፡ ኮልን ፓወል ግን ንፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ ማእከላይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ ሰብ`ዩ ይብል::

ፕሮፈሰር ደቪድ ጃኮብስ "ኣብ ምጥቃም ሓይሊ፡ ሕቶታት ዘልዕል፡ ስቕ ኢሉ ህሩግ ዘይብል ሰብ`ዩ ኔሩ፡ በዚ `ዩ ድማ ዝያዳ ክዝከር ዝግብኦ። ፖለቲከኛታት ሓይሊ ክጥቀሙ ኣለዎም`ዶ፧ እንታይ እዮም ከዐውቱ ዝብል ሕቶታት ዘልዕል ዝነበረ`ዩ። በቲ ኣብ 2003 ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መደረ ክምዘን ዘለዎ ኣይመስለንን ይብል ። ኣብቲ እዋን ንዒራቕ ንምውራር ዝተጋገየ መረዳእታ ኣቕሪቡ ዝተባህለሉ እዋን`ዩ።"

እቲ ፕሮፈሰር ኣተሓሒዙ፡ ካብ እግረኛ ሰራዊት ጀሚሩ ኣብ ውግእ ቨትናም ዝተሳተፈ ምዃኑ ኩናት ይፈልጥ`ዩ ይብል፡:

እቲ ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ "ኩናት ዝፈልጦ ካብ ቀጥታዊ ተመክርኡ ተበጊሱ`ዩ። ከም ሓለቓ ስታፍ ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ይኹን ከም ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኮይኑ ኣብ ጣውላ ኮፍ ክብል ከሎ ሳዕቤናት ኩናት ብምግንዛብ`ዩ ዝዛረብ። ሎሚ ኣብቲ ቦትኡ ኮይኖም ከምኡ ዝሓስቡ ኣለዉና ኣይብልን`የ" ይብል ።

ዝያዳ ኩሉ ግን ጀነራል ኮልን ፓወል ብምንታይ ዝዝከር ይመስለካ ተባሂሉ ዝተሓተተ ፕሮፈሰር ደቪድ ጃኮብስ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ንላዕሊ ከም ሚንስተር ወጻኢ ኮይኑ ብዘገልገሎ ዝዝከር ይመስለኒ ይብል፡:

ዳቪድ ጃኮብስ"ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ከም ሚንስተር ወጻኢ ኮይኑ ዘገልገሎ ግዜ ዝያዳ ዝዝከረሉ ይመስለኒ" ይብል ።

ኮሊን ፓወል ሪፓብሊካን`ዩ እንተኾነ ኣብ ክልቲኦም ምምሕዳራት`ውን ብሓላፍነት ኣገልጊሉ። ፖለቲካዊ ኣረኣእይኡ ጽንፊ ዘይወስድ ማእከላይ ምንባሩ ይግለጽ።

"እወ እዚ መርገጽ`ዚ ሎሚ`ውን ክንክተሎ ጸጊሙና ዘሎ ጉዳይ`ዩ፡ ኣብ ኣብ ትሕቲ ክልቲኦም ምምሕዳራት ሰሪሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዳሕራዋይ 90`ታት ክሳብ መጅመርያ 2000ን ሓይሊ ኣብ ምጥቃም ጥንቃቐ ምውሳድ ከምዘድሊ፡ ብቐጥታ ንሃገራዊ ድሕነት ዝትንክፍ እንተዘይኮይኑ ኩናት ከይግበር ይጽውዕ ኔሩ`ዩ።"

ኮሊን ፓወል ሚንስተር ወጻኢ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2003 ኣብ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዒራቕ ዘቕረቦ ዝተጋገየ ዝተባህለሉ መደረ ናብ ምስሕሓብ ዘእተዎ ምንባሩ`ውን ኣይርሳዕን። ቡሽ ኣብ 2004 ዳግም ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን ድማ ኮልን ፓወል ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ብዙሓት ዓበይቲ ናይ ክብሪ መዳልያታት ዝተሸለመ በዓል 4 ጽሩራ ጀነራል ኮልን ፓወል፡ ኣብ 1995 `ማይ ኣመሪካን ጀርኒ` ማለት ኣመሪካዊ ጉዕዞይ ትብል መጽሓፍ ጽሒፉ ኔሩ። ካልኣይቲ`ውን ኣብ 2002 ደጊሙ`ዩ። ኮሊን ፓወል ካብ ክልተ ካብ ጃማይካ ዝመጹ ኢምግራንት ወለዱ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ 1937 ተወሊዱ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ኔሩ።