ኮለጅ ተክኖሎጂ ኢንጂነሪንግ ኤርትራ 366 ተማሃሮ ብቪርቹዋል ኣገባብ ኣመሪቑ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ኤርትራ፥ ኮለጅ ተክኖሎጂ ኢንጂነሪንግ፡ ሎሚ ን366 ተማሃሮ ብማንዛ ማለት ብናይ ቪርቹዋል ኣገባብ ኣመሪቑ። ኮለጅ ማይ ነፍሒ፥ ኣብቲ ንመበል 13 ግዜኡ ዘካየዶ ናይ ምረቓ ስነ-ስርዓት፡ ን129 ተመሃሮ ብቀዳማይ ዲግሪ ከመርቕ ከሎ፥ ን237 ተመሃሮ ድማ ብዲፕሎም ኣመሪቑ`ሎ።

ተመረቕቲ ብከሚካል ኢንጅነሪን፥ ኮምፒተር ሳይንስ፥ ኤለክትሪካል፥ ከምኡ`ውን ብማዕድንን ብማሪን ባዮሎጅን ከም ዝተመረቑ፡ ነዚ ሓበረታ ብትዊተር ዝዘርግሐ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል ጠቒሱ`ሎ።