ዋሽንግተን —
ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጂርጅያ ኣመሪካ ዲሞክራት ራፋኤል ዋርኖክን ሪፐብሊካዊ ሂርሸል ዎከርን ሓዲኦም ኣባል ሴነት ኣመሪካ ንክኾኑ ሎሚ ሰሉስ 6 ታሕሳስ ምርጫ ተኻይዱ።
ዓወት ኣባል ፓርቲ ዴሞክራሲያዊያን ማለት እቲ ፓርቲ ኣብ ሴነት ኣመሪካ 51 መናብር ንክሕዝ ከምኡውን ንኣገደስቲ ኮሚቴታት ናይ ምምራሕ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ብኣንጻሩ ሪፐብሊካዊ እንተስዒሩ፣ ኣጀንዳ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንከይትግበር ዓጋቲ ድምጺ ክረክብ እዩ ማለት እዩ።