ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻው ደው ከተብል ጸዊዖም

ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ምዕጻው ደው ከብሉ ጸዊዖም።

ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ መሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ዴቪድ ካያ መንግስቲ በብእዋኑ ዘካይዶም ኣገልግሎት ኢንተርነት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከምዘተሓሳስቦ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ ዓመተ 2019 ጥራይ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ጊዜ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻዋን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ እዋን ሃገራዊ ፈተናን ተቓውሞታትን ምንባሮም ዴቪድ ይገልጽ።

“ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ንመሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ዝጥሕስ’ዩ” ዝበለ ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ መሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ዴቪድ ካያ “መንግስቲ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም መሳርሒ ምጥቓም ደው ከብሎ ይጽውዕ። ብተደጋጋሚ ኣበየይ ሕጊ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክዕጸው የፍቕድ ኢለ ሓቲተየ ግን መልሲ ዝህበኒ ኣይረኸብኩን” ኢሉ።

ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ እዋን ምርጫን ዝተፈላለየ ቀውሲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ወይ ገለ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብተደጋጋሚ ካብ ዝዓጸዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።

ዴቪድ ወሲኹ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ዝተአታተወ ለውጢ ብምምዓድ ገና ዝተርፍ ብዙሕ ከምዘሎ ግን ኣይሓኣብን።

ንሱ ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረቐቐ ንድፊ ሕጊ ንጽልኢ ዘለዓዕል ዘረባን ግጉይ ሓበሬታ ንምቁጽጻር ዝብል ዝወጸ ሕጊ ንህዝባዊ ክትዓት ከም ገበን ዝቆጽር ከይከውን ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ’ሎ።