ክልስ-ሓሳብ ናብ ግብሪ -- ምህዞ ንምቅላል ከባቢያዊ ጸገማት

Your browser doesn’t support HTML5

ክልስ-ሓሳብ ናብ ግብሪ -- ምህዞ ንምቅላል ከባቢያዊ ጸገማት

ንልዕሊ 35 ዓመታት፡ ኣብ ሞያ ምምህርና፡ ብቐንዱ ድማ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ) ዝሰርሓ መምህር በሪሃ ገብረየሱስ፡ ነቲ ብኽልስ-ሓሳብ ዝቐሰምኦ ትምህርቲ ኣብ ፍወሳ ከባቢአን ከውዕላ’የ ፈቲነን። ኣብ በበይኑ እዋናት ብዘካየድኦ ዝነበራ ፈተነታት ድማ ሕጂ ኣድማዒ መድሃኒት ጸረ-ትዃንን ቍንጪን ኣፍርየን ኣለዋ።