ክልል ኦሮምያ: ኣብ ልዕሊ ተወልደቲ ሓደ ብሄር ዝተባህሉ ነበርቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሓደ ብሄር ዝተባህሉ ዜጋታት ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ምውራዱ ነበርቲ ተዛሪቦም። በቲ ግፍዒ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝተቐተሉ`ውን ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሰባት ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ካብ ሓደ ብሄር ዝመጹ`ዮም እንተተባህለ`ኳ እቲ ሕብረተሰብ ነንሕድሕዱ ዝተዋሰብን ዝተዋልደን ብምዃኑ ዝተጎድኡ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት ከም ዘለውዎም ኣመሓዳሪ`ቲ ዞባ ተዛሪቡ`ሎ።

ከም ሓበረታ ነበርቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይተፈልጡ ሰባት ዝተቐተለ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፥ ድሕሪኡ ብዝሰዓበ ጎንጺ ብዙሓት ክሞቱ ከለዉ ብዙሓት ቆሲሎምን ንብረት ዓንዩን`ዩ ።

ብኻልእ ወገን፥ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኣርሲ ኣቶ ጀማል ኣልዩ፥ ኣብታ ዞባ ካብ ዝርከባ 25 ወረዳታት ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን ናይ 34 ሰባት ህይወት ከምዝጠፍአን ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ተግባር ካብ ቁጽጽር ዓቕሚ ፖሊስ ወጻኢ ከም ዝነበረን፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ`ውን ከይተረፈ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ`ሎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፥ ኣብ መንጎ ክልተ ብሄራት ግጭት ብምልዕዓል ንኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ዕላማ ዘለዎም ወገናት ብድሕሪ መጋረጃ`ቲ መጥቃዕቲ ኣለዉ ኢሉ`ሎ። መንግስቲ ነዚ ተረዲኡ ፈደራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምውህሃድ ናይ ምክልኻል ስራሕ እንተዘይሰርሕ ኔሩ ካብኡ ዝገድድ መጥቃዕቲ ምወረደ ኔሩ ኢሉ`ሎ።

145 ሰለማውያን ሰባትን 11 ኣባላት ጸጥታን ብድምር ናይ 156 ዜጋታት ህይወት ምሕላፉ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ግርማ ገላን ሓቢሩ`ሎ። ዛጊት ኣብቲ ጎንጺ ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ናብ 2000 ዝጽግዑ ሰባት ከምዝተታሕዙ`ውን መንግስቲ ኣፍሊጡ`ሎ-ኣብ ምዕራባዊ ከተማታት ኦሮሚያ ማለት ኣብ ኣምቦ: ነቀምት: ግምቢL ሆሮ ጉዱርን ዝኣመሰላ ከተማታት ግን ኣንጻራዊ ሰላም ከምዝሰፈነን ወኪላትና ይሕብሩ`ለዉ።