ክልል ትግራይ: ስእነት መድሃኒት ኣብ ዝረኣየሉ ሓደስቲ ኣብያተ-መድሃኒት ምኽፋት ኣይገራጮን’ዶ?

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ: ስእነት መጽሃኒት ኣብ ዝተርእዮ ሓደስቲ ኣብያተ-መድሃኒት ምኽፋት ኣይገራጮን’ዶ?

ተጻብኦታት ብወገን ፈደራላዊ መግንስቲን ክልል ትግራይ ካብ ዝቋረጽ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዘቑጸረሉ ሕጂ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ መድሃኒት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ሰብ-መዚ ይዛረቡ። እዚ እናዀነ ግን ሓደስቲ ኣብያተ-መሃኒታት’ውን ክኽፈታ ይርኣያ ኣለዋ። ምኽንያት ናይዚ ተጻራሪ ዝመስል ተርእዮን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መድሃኒትን ብዝምልከት ንሓላፊ በዓል መዚ ቍፅፅር መድሃኒትን መግቢን ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ኣዘራሪብናዮም ኣለና።