ክልል ትግራይ: ሕ/ሃ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብሰንኪ ደብዳብ ምንቅስቓሳቶም ከቋርጹ ከምዝተገደዱ ይገልጽ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኲናት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተዓቖብሉ ቦታ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮንን ዝወረደ ጉድኣትን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ኣብቲ ኸባቢ የካይዱዎ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ከቋርፁ ምግዳዶም ሓቢሩ ።

እቲ ደብዳብ ዝተኻየደ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሃገራዊ ዕርቂ" ድሕሪ ምፅውዑን ማሕበረሰብ ዓለም'ውን እቲ ግፍዓዊ ጭካነ ዝተሞልኦ ጎንፂ ደው ንኽብል ደጊሙ ፃውዒቱ ኣብዘሐደሰሉ እዋን'ዩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (ኦቻ) ንኣጃንሲ ፍራንስ ፕረስ ብፅሑፍ ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ስሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ከተማ ደደቢት ዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ዝተፈፀመ ኾይኑ “ኣብ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ሞትን መቁሰልትን ኣውሪዱ” ኢሉ ። “ነዚ ቀጻሊ ደብዳብ ድሮን ብምስጋእ ኣብቲ ኸባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ምንቅስቃሳቶም ከቋርፁ ምግዳዶም” ይገልፅ ።

መግለፂ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ በቲ መጥቃዕቲ ድሮን 56 ሰባት ምሟቶም ክሕብር ከሎ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ላዕለዋይ ሆስፒታል እታ ኽልል ግና 55 ሰባት ምሟቶምን 126 ድማ ምቑሳሎም ይገልፁ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብቀዳም ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ስሜን ምዕራብ ትግራይ አብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊቶም መጥቃዕቲ ፈፂሞም ክብሉ ትማሊ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ኤርትራ “ሓድነት ኢትዮጵያ ክሕሉ ብዝብል ምስምስ ኩሉ ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ፃዕርታት ንምትዕንቃፍ” ትፍትን ኣላ ክብሉ ይኸሱ ። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ናብቲ ክልል ዘእትዉ መገድታት ብምዕፃዎምን መራኸቢ ማዕከናት ብምቁራፆምን ነዞም ክስታት ብሳልሳይ ወገን ከፃርዮም ኣይከኣለን ። ካብ ሰበ- ስልጣናት ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ'ውን ከምዘይሰለጦ ይሕብር ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (ኦቻ) ሕክምናዊ ቀረባት፣ ነዳድን ዝኣምሰሉ ሕፅረታትን ብፍላይ ድማ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ትግራይን ንግዳያት ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዕንቅፋት ምዃኑ አብቲ ዝለኣኾ ፅሑፍ ይገልፅ ።ብምዃኑ ከም ብሓዱሽ ዝፍፀሙ ዘለዉ ደብዳባት ኣየር ከምዘሰንበዶምንን ኩሎም ተፃባእቲ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ግቡኣቶምን ከኽብሩ ፀዊዑ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈተ ወጻኢ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝተባህለ ወግዓዊ ትካል ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ካብቲ በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕታት ድሮናትን ነፈርቲን እዚ ዳሕረዋይ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝገብሮ ነቶም ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ዝመጹ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ’ዩ ኢሉ። ወሲኹ እቲ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ’ውን ብወገን ዓዲ-ጸጸር ከባቢ ሸራሮ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ማሕበረሰብ ዓለም ኪንዮ “ምዅናን” ግብራዊ ስጕምቲ ወሲዱ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቅትለታት ደው ከብሎ ጸዊዑ።