ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ መጥቓዕቲ ከካይዱ ይዳለው ኔሮም ዝበሎም ዕጡቓት ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ

ግድብ ህዳሴ

ቢሮ ሰላምን ህንጸትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ "ኣብ ልዕሊ 170 ዕጡቃት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢታት ጉሙዝን ዕጡቃት ህወሓትን ስጉምቲ ወሲደ" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ኣፍሊጡ።

ሓላፊ’ቲ ቢሮ ኣቶ ኣብዮት ኣልቦሮ "እቶም ዕጡቃት፣ ዝሓለፈ ሰንበት፣ ናብ ግድብ ህዳሴ ዝወስድ መገዲ ቆሪጾም መጥቃዕቲ ንክፍጽሙ ይዳለው ነይሮም" ኢሎም።

ነዚ ብዝምልከት ግብረ መልሲ ንክህቡ ዝተሓተቱ ወኪል ንመቐለ ዘመሓድር ዘሎ ብህወሓት ዝምራሕ ንገዛእ ርእሱ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝብል ፡ "ነዚ ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ጠቀነ፣ ግብረ መልሲ ምሃብ ኣየድልዮን" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ መጥቓዕቲ ከካይዱ ይዳለው ኔሮም ዝበሎም ዕጡቓት ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ