ኬንያ ኣብ ዓለምለኸ ጂኦፖለቲካ ቀንዲ ተዋሳኢት ኣፍሪቃዊት ሃገር ትኸውን'ላ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ኬንያ ኣብ ዓለምለኸ ጂኦፖለቲካዊ መድረኽ ቀንዲ ተዋሳኢት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ።ናይዚ መርትዖ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሎም ንምዝርራብ ምውሳኖም እዩ።

ፕረዚደንት ኬኒያታ ባይደን ፕረዚደንት ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንፈለማ እዋን ብአካል ዝረኸብዎ ኣፍሪቃዊ መራሒ ኮይኖም ኣለው።

ኣብቲ ርክብ ፕሬዝዳንት ባይደን ከምዚ ኢሎም።

"ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ኣመሪካን ኬንያን ክልቴና ቀንዲ ዞባውን ዓለማውን ብድሆታት ንምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ናይቲ ዞባን ሃገርኩምን ሰላም፣ድሕነትን ዴሞክራስን ንምሕላው ዝተገብረ ፃዕሪ ንኬንያን ናትኩም መሪሕነትን ከመስግን እደሊ" ኢሎም።

ኬኒያታ ብወገኖም ተወሳኺ መጠን ክታበት ኮቪድ19 ምሕጋዞም ንባይደንን ህዝቢ ኣሜሪካን ኣመስጊኖም ኣለው።

"ኬንያ ጥራሕ ዘይኮነት መላእ ኣፍሪቃ ክታበት ክረክብ ኣመሪካ ዝክኣላ ሓጊዛ ሂባያ እያ።ክታበት ንምውሳኽ ምስምዐይ ሕጉስ እየ፤ምኽኒያቱ ንህዝብና ኣብ ምኽታብ ካብ ዝተረፈ ዓለም ንድሕሪት ተሪፍና ኢና" ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ርክብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ክልቲአን ሃገራት "ዘቤታውን ዓለምለኻውን ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምርግጋፅ ተወሳኺ ግሉፅነትን ተሓታትነትን ከምዘድልን ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያን ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምስጓምን ኣስሚሮምሉ ኣለው’’ይብል።