ኬንያ ብሰንኪ ምውሳኽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ከፊል ምርጋጥ ኣዊጃ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኬንያ ብሰንኪ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፥ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ከፊል ምርጋጥ ኣዊጃ።

ኬንያ ኣብ መንደራ ትብሃል ዞባ ዝወሰደቶ ዳሕራዋይ መምርሒ ርእሰ-ምዕጻው፥ መገሻ ብመጉዓዝያ ምድሪን ካብን ናብን በረራታትን ዝእግድ`ዩ።

ከምኡ`ውን ኣብ ሞምባሳ ክዋሊ ከምኡ`ውን ኪሊፊ ዝተባህላ ምምሕዳራት ዘሎ ምትግባር ቃልሲ ኮሮና ከምዝግምገም ሚንስተር ውሽጢ ሃገር ኬንያ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፥ ካብ ውሸባ ንዝሃደሙ 50 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእቱ ኣጠንቂቑ።

ገለ ኣብቲ መንግስቲ ዘዳለዎ ማእከላት ዝተወሸቡ ኬንያውያን፥ ክፍሊት በዚሑና ኢሎም ከማርሩ ጸኒሖም`ዮም።

ኬንያ ትማሊ ረቡዕ 7 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ድሕሪ ምምዝጋባ ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ናብ 303 ደይቡ`ሎ- 14 ድማ ሞሟቶም ኣፍሊጣ’ላ።