ዋሽንግተን —
ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣብ ሓንቲ መኪና ብዘጋጠመ ነትጒ ትሸዓተ ሰባት ምቁሳሎም ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ጠንቂ’ቲ ነትጒ እንተዘይተፈልጠ’ኳ፡ ክልተ አባላት ጸጥታ’ታ ከተማ ኣብ ባትሪ ናይታ መኪና ብዘጋጠመ ጸገም ዝተፈጥረ’ዩ ክብሉ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጥዕና ካልድ መግሃድ ሰለስተ ሰባት በቲ ሓደጋ ምቁሳሎምን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው ካልእ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጥዕና ድማ ቁጽሪ ዝቆሰሉ ካብ ሰለስተ ሰባት ንላዕሊ ምዃኑ ንሬድዮ’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።