ካብነ መንግስቲ ትግራይ ን2004 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬት ክፍትሑ ወሲኑ

ካቢነ መንግስቲ ትግራይ ብምክንያት መዓልቲ ሰማእታት 2004 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ከምዝወሰነ ካብኣቶም 13 ኤርትራውያን ምዃኖም ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ::

ካቢነ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተአረምቲ ሕጊ ኣብ መአረሚ ቦታ ኣብ ዝፀንሕሉ ግዜ ብዝፈፀምዎ ገበን ተጣዒሶም ህዝቢ ንምክሓስ ድልዋት ዝኾኑ ክፍትሑ ምውሳኑ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም::

15 ሰነ 2011 ዓ.ም ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 31 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ብይቕሬታ ክፍትሑ ካብ ዝተወሰነሎም እሱራት እቶም ልዕሊ 83 ሚእታዊት ትሕቲ 35 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ መናእሰይ ብምዃኖም ናይቶም መናእሰይ ዓቕሚ ድማ ንልምዓት ንምውዓል ኣብ ዝብል ግምት ብምእታው ዝተወሰነ ምዃኑ ኣቶ ተኪኡ መተኩ ገሊፆም::

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ምፍታሕ 2004 ተአረምቲ

በዚ ድማ 13 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2004 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ ኢሎም::

እቶም ዝተፈትሑ ኤርትራውያን ብምንታይ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ እዮም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣይተ ተኪኡ ኣብቲ ክልል ከምዝኾነ ገበነኛ ሕጊ ጥሒሶም ተኣሲሮም ዝነበሩ እዮም ክብሉ መሊሶም። ብምውሳኽ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ንምሕያል ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ብይቕሬታ ክፍትሑ ከምተገበረ ተዛሪቦም::

ብተወሳኺ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣባላቱ ብምኽንያት ፖለቲካ ተኣሲሮም ክሳብ ሐዚ ከምዘይተፈትሑ ይኸስስ እዩ’ሞ ኣብዚ ናይ ይቕሬታ ከይዲ ተኻቲቶም’ዶ ንዝብል "ንሕና ገበን ሰሪሑ ዝተኣሰረ እምበር ብፖለቲካዊ ቅዋሙ ዝተኣሰረ የብልናን:: ኣብቲ ከይዲ ይቕሬታ እውን ፖለቲካ ዘይኮነስ ተአራሚ ኣብ መአረሚ ዝጸንሓሉ ጊዜ ዘርኣዮ ለውጢ ኢና ርኢና” ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ካብነ መንግስቲ ትግራይ ን2004 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬት ክፍትሑ ወሲኑ