ካብ ዞባ ጌዶ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘለው ይገልጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዞባ ጌዶ ብዘጋጠመ ግጭት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ፋብሪካታትን ኣብያተ ፍርዲን ተዓቑቦም ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ግጭት ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም’ዮም ኣብቲ ዞባ ዝተራእየ ግጭት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ዓሌታት’ውን ውጥረት ኣለዓዒሉ’ዩ።