ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ቆቦ ተዓቑቦም ዘለው ሰባት ጸገም መሰረታዊ ቀረባት ከምዘለዎም ገሊጾም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ቆቦ ተዓቑቦም ዘለው ሰባት ጸገም መሰረታዊ ቀረባት ከምዘለዎም ገሊጾም

ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ዝተዓቕቡ ሰባት በሰንኪ መሰረታዊ ቀረባት ድጋፍ ይሽገሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። እቲ ቁጽሪ ተፈናቐልቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ ጸጥታን ምክልኻል ገበንን ተጽዕኖ ከምዝፈጠረሎም ድማ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቆቦ ኣፍሊጡ`ሎ።

ካብ መንጎ ኣብ መደበር ፖሊስ ቆቦ ዝተዓቕቡ ኣብ ሚድያ ሽማን ምስላን ክትገልጽ ዘይደለየት ጓልንስተይቲ "ካብ ከባቢ ዓድግራት`የ መጽየ፡ ብሰንኪ ኩናት ከፊኡና ተሸጊርና ኢና፡ ዝሕግዘና ሰብ ኣይነበረን፡ ኣብኡ ዘሎ ጸገም ህወሓት ዘምጽኦ ጸገም`ዩ፡ ጸሓይ ኣይጠፈአትን፡ ብሰንኪ`ዞም ሰባት`ዚኣቶም ግን ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር ኔርና፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ንኸይንነብር፡ ከም ኣራዊት ንኽንርኣይ፡ ህዝቢ ትግራይ ንኸይእመን ዝገበርዎ ንሳቶም`ዮም" ትብል።

ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ምኽትል ኮማንደር ነጋ ድምበሩ፡ ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ዘለዉ ክልተ ዓይነት ተፈናቐልቲ ምዃኖም ይገልጽ፡"ካብ ራያ ኣላማጣ ካብ ራያማን ካብ ኮረምን ካብ ኮፍላን፡ ከምኡ ካብ ከተማ ኣላማጣ፡ ብድምር መጺኡ ዘሎ ተፈናቓላይ ኣስታት 8-ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ`ዩ። ሕጂ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጀሚርና ነስተናግዶ ዘለና ግን ካብ ጫፍ ሽራሮ ጀሚሩ፡ ካብ ራማ ክሳብ ማይ ጨው ዘሎ ከባቢ ዝመጸ'ዩ።"

ካልእ ካብ ሽረ`የ መጽየ ዝበለ ብትግርኛ ዝተዛረበ ሰብ ድማ፡ ንብረቱ ሸይጡ ብመቐለ ጌሩ ናብ ኣላማጣ ካብኡ ድማ ብዋጃ ሽነኽ ብዓረብያ ፈረስ ናብ ቆቦ ከምዝኣተወ ንወኪልና ገሊጽሉ`ሎ።

ናይ ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ርክባት ወጻኢ ምዃኑ ዝገልጽ ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ምስ ቤተሰብ ንምርኻብ ካብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ወጻኢ መግቢ ደልዮም ከም ስደተኛነት ክምደብ ዝኽእል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ከምዘየለ ገሊጹ ኔሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቆቦ ምኽትል ኮማንደር ነጋ ድንበሩ ብኻልእ ወገን 44 ዝኾኑ ኤርትራውያን`ውን ኣብኡ ኣትዮም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ጸላእቲ ሓይልታት ናይ ሓሶት ወረቐት መንነት`ውን ይሰርሑ`ዮም፡ ስለዚ ብእኡ ጥራይ ምርግጋጽ ኣይክኣልን`ዩ ካልእ መረዳእታ እንተዘይተረኺቡ ይብል።

ካብ ዓድግራት ተፈናቒለ ዝበለት ትግራወይቲ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ እቲ ሽግር ንኽብእስ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ ትብል።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ቆቦ ዝኣትዉ ዘለዉ ተፈናቐልቲ ቁጽሮም ምስ ነበርቲ ዝመጣጠን ስለዝኾነ፡ እቲ ብዝሒ ተፈናቓሊ ንጸጥታ`ውን ምኽንያት ስግኣት ክኸውን ስለዝኽእል መንግስቲ ካብ ከባቢ ዶብ ናብ ካልእ ከባብታት ከግዕዞም እቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ጸዊዑ`ሎ።