ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ቆቦ ዝርከቡ ሰባት ጸገም መግብን መሰረታዊ ቀረብን ከምዘሎ ይገልጹ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ሰሜን ወሎ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከተማ ቆቦ ተዓቑቦም ዝርከቡ ሰባት መግብን መሰረታዊ ቀረባትን ከምዝተፀገሙ ገሊፆም።

ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ፀገም መግብን ጸጥታን ናብ ቆቦ ምእታዎም ካብ ዝጅመሩ ክልተ ሰሙናት ኣቑጺሮም ኣለው።

ፖሊስ ወረዳ ራያ ቆቦ ካብ ክልል ትግራይ ዝመፁ ተመዛበልቲ ብዝሖም ይውስኽ ምህላው ስዒቡ ገበን ኣብ ናይ ምክልኻልን ፀጥታ ናይ ምስፋንን ስርሑ ተፅዕኖ ከምዘሕደሉ ብምግላፅ ናይቲ ክልልን ፌደራልን መንግስታት ንተመዛበልቲ ናብ ካልእ ቦታ ከንቀሳቕሶም ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ካብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝተፈናቀሉ 200 ሰባት ቆቦ ምእታዎም ተሓቢሩ

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ኣብ ጉዳይ ስደት ንቆቦ