ኣብ ከተማ ደሴ ዝርከቡ እድራት(ማሕበር) ካብ ከባቢ ራያ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ንዝሰፈሩ ተመዛበልቲ ሓገዝ መግብን ናውቲ ትምህርቲን ምሃቦም ገሊፆም።እቶም ተመዛበልቲ ብወገኖም መንግስቲ ነባሪ ፍታሕ ክገብረልና ኣለዎ ኢሎም።
ንማሕበር(እድራት) ከተማ ደሴ ብምትሕብባር ናብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ዝመፁ ኣቶ ጋሻው ጉግሳ ምስ ሕቶ መንነት ብዝተኣሳሰረ ካብ ትግራይ ከባቢ ራያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ቆቦ ኣዕቒቦም ዝርከቡ ልዕሊ 200 ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዝሃቡ ገሊፆም።
“ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 300 ኮቦርታ፣300 ኣንሶላ፣10 ኩንታል ሩዝ፣ክልተ ኩንታል በርበረ፣10 ኩንታል መኮረኒ፣15 ጀሪካን ዘይቲ ተዋሂቡ ነይሩ።ሎሚ ድማ ነዚ ኣብነት ብምኽታል ንእድራት ከተማ ደሴ ብምትሕብባር 50 ኲንታል ጣፍ፣ኣርባዕተ ኲንታል ብርስንን ኣርባዕተ ኲንታል በርበረን ሂቦም ኣለው።”
ኣፍና ብዝፈታሕናሉ ቋንቋ ኣምሓርኛ ክንምሃር ይግባእ ብዝብል ካብ ክልል ትግራይ ከባቢኡን ናብ ዝርከብ ወረዳ ክልል ኣምሓራ በብዕለቱ ክሳብ 7 ኪሎ ሜትር ብምጉዓዝ ትምህርቶም ንዝከታተሉ ናይ ትምህርቲ ናውቲ ከምዝሓገዙ እውን ገሊፆም።
ምስ ሕቶ መንነት ብዝተፈጥረ ፀገም ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሰሜን ወሎ ቆቦ ዝሃደሙ ልዕሊ 500 ተመዛብልቲ ከምዝነበሩን ካብኦም ልዕሊ ፍርቂ ናብ ሃገራት ዓረብን ካልኦት ከባቢታትን ስለዝተሰደዱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ካምፕ 213 ሰባት ከምዝተረፉን ኣተሓባብሪ ናቶም ተመዛበልቲ ኣቶ ኣክሊሉ ትኩየ ገሊፆም።
ኣቶ ኣክሊሉ ወሲኾም ተመዛበልቲ ንብረቶም በቲኖም ካብ መንበሪኦም ካብዝስደዱ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዘቑፀሩን መዓልታዊ መግቦም ዝረኽቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ እቲ ክልል ብዝገበረሎም ሓገዝ ከምዝኾነን ገሊፆም።
እቲ ፀገም ካብቲ ዝግለፅ ዘሎ ንላዕሊ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ ኮሚቴ ኣምላሲ ሕቶ መንነት ራያ ኣቶ ምስጋን ደስየ እዮም።ህፃናት ኣፍ ብዝፈትሕሉ ቋንቋ ንምምሃር በብዕለቱ ልዕሊ 7 ኪሎ ሜትር ብምጉዓዝ ናብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ቆቦ ዝመፁ ዝደኸመ ኣካልን ኣእምሮን ሒዞም ትምህርቶም ብንቕሓት ክከታተሉን ተወዳደርቲ ክኾኑን ይፅገሙ እዮም ይብሉ።መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዝሃቦ ጠመተ እውን ትሑት እዩ ኢሎም።
ሰበስልጣን ከተማ ቆቦ ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ናይቶም ተመዛበልቲ ድሕነት ንምሕላው ዝተወሰኑ ሓገዛት ዝግበረሎም እንተኾነ እውን ምስቲ ዘሎ ፀገም ዝመጣጠን ኣይኮነን ኢሎም።
ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኢያሱ መስፍን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዋፅአ ግብረ ሓይሊ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ናይቶም ተመዛበልቲ ቅሬታ ከምዝተረድአን ነቲ ቅሬታ ንምፍታሕን ዝሓሸ ሓገዝ ንምሃብ ይንወሳቀሱ ከምዘለውን ገሊፆም።
ኣብ ራያ ቆቦ 2,328 ተመዛበልቲ ከምዝርበከቡ ዝገለፁ ኣቶ እያሱ ነዚኦም በብወርሑ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም።ወኪል ናይቶም ተመዛበልቲ ግን እቲ ሓገዝ እናተቖራረፀ ዝውሃብ 15 ኪሎ ስርናይ ጥራሕ ብምዃኑ እኹል ኣይኮነን ይብሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ክልላትን ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራን ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ግጭታት ልዕሊ 60 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብቲ ክልል ከምዝርከቡ ይግመት ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ደሴ ሓቢሩ።
ብዛዕባ ሕቶ መንነት ራያ ብኻልእ ኣጋጣሚ ትማሊ ዘዘራረብናዮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ህውሓት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ገጠር ኣቶ ነጋ ኣሰፋ’ውን መልሲ ሂቦም ኔሮም።
ተማሃሮ ብኣምሓርኛ ንምምሃር ነዊሕ ጉዕዞ ይጉዓዙ ብዛዕባ ዝብሃል ንምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህውሓት ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣማሲያኦም ዝቐረበሎ ሕቶ ‘’ኣይጉዓዙን፤ይጉዓዙ እዮም’’ ንምባል ከምዘይኽእሉ ምኽንያቱ ድማ ዋላ ሒደት ቁፅሪ እንተኾኑ እውን ብቋንቋና ንምምሃር ንጉዓዝ ኢና ዝብሉ ምህላዎም ግን ከምዝሰምዑ ገሊፆም።ንዝተፃረየ ሓበሬታ ድሒሮም ከምዝሕብሩ እንተገለጹ’ዃ ግን ክንረኽቦም ከምዘይከአልና ንሕብር።
Your browser doesn’t support HTML5