ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 403 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ምዕራፋ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 403 ስደተኛታት ጽዒና ዝነብረት መርከብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ትርከብ ወደብ ታራንቶ ምዕራፎም ተገሊጹ። አባላት ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት መርከብ ኦሻን ቫይኪንግ ካብቶም ስደተኛታት 100 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖምን መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ሱዳን፡ሶማልን ኤርትራን ዝመጹ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።