ካብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ናብ ሩዋንዳ ዝተጣየሱ ስደተኛታት
Your browser doesn’t support HTML5
ናይ ሕቡራት ሃገራት ግዝያዊ ናይ ስደተኛታት መሰጋገሪ ማእከል ጋሹራ ሩዋንዳ 189 ካብ ሃገራቶም ሃዲሞም ንዝሓሸ ናብራ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝተበገሱ ስደተኛታት ኣዕቑቡ ይርከብ።እዞም ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮ፡ደቂ ተባዕትዮ፡አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ሱዳንን ሶማልን ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ዝጉዓሉ ዝነበረ ኣብ መዳጎኒ ሊብያ ተታሒዞም ዝጸንሑ’ዮም።