ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ'ውን ኣብ መንቀራቕሮ ከምዘለው ይሕብሩ

Your browser doesn’t support HTML5

▶ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ ውን ኣብ መንቀራቕሮ ከምዘለው ይሕብሩ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብሰንኪ ሕፅረት መግብን መፅለልን ንዝተዓቁ፟ቡሎም ሓደ ሓደ መዓስከራት ሓዲጎም ይወፁ ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሰዓት ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ዝሓሸ ኣማራፂ ንምዃኑ ዝተረጋገፀ ነገር የለን ክብል የጠንቅ፟ቕ። ከምኡ'ውን ንተወሳኺ ዓለምለኸ ሓገዝ ፃውዒት የቕርብ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር እዚ አብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዱብቲ ዝርከብ ከባቢ 30 ሽሕ ዝኾኑ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ሒዙ ዝርከብ መዕቆቢ መብዛሕትኦም ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌደራልን ተሓባበርቶምን ዝተኻየደ ውግእ ምኽንያት መንበሪኦም ሓዲጎም ክወፁ ዝተገደዱ ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እቲ ንሚልዮናት ከብትታቶም ዝቀ፟ተለን ብሚልዮን ዝቁፀሩ ኢትዮጵያውያን ንሓደጋ ዘቓልዐን ደርቂ ሃዲሞም ዝወጹ'ዮም።