ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ነቲ ታሪኻዊ ዝኾነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጸሐ ስምምዕ ሰላምን ደረኽቲ ዝኾኑ ረቛሒታትን ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ንዝተራእየ ምዕባለታት ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምክያዱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጾም።
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ: ነቲ ዝተጀመረ ዞባዊ ሽርክነትን ዝምርሓሉ ሓድሕድ ልኡላውነት ምኽባር: ንሓባራዊ ጥቅሚ ዘገልግሉ ቅጥዓ ምንጻር: ጎዳኢ ግዳማዊ አጀንዳ ምንጻግ: ጠቓሚ ዞባዊ ኩነታት ምፍጣር ከምኡ’ውን ድምር ኩሉ ንጥፈታት ምክትታል ኣብ ዝብሉ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘትዩ።
The Cabinet of Ministers reiterated the five pillars that govern regional partnership: i.e. i) respect of each other%27s sovereignty; ii) articulated Framework of Common Interests; iii) Rejection of harmful extraneous agendas; iv) Conducive regional climate; & v) Sectors of Synergy
— Yemane G. Meskel (@hawelti) September 28, 2018
በዚ መሰረት ድማ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ምሕዳስን ምስፋሕን ወደባት: መጉዓዝያ ምድሪ: ጸዓት: ኢንዳስትርን ካልኦት ዓውድታትን ዘድልይ ፋይናንሳዊን ካልእ ውጥናት ተጀሚሮም ይስርሓሎም ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ከምዝዛዘሙ ሓቢሩ’ሎ።