ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ተወለድቲ ትግራይ ይኻየድ’ሎ

Your browser doesn’t support HTML5

ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ:: ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት እቲ ፌስቲቫል ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ብምባል ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም::