ኩነታት ኣብ ኡጋዳን ዝተረፉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ

ፋይል - ኣቐዲሞም ኣብ ኡጋንዳ ዝተረፉ ኣርባዕተ ተጻወቲ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሸውዓተ ኤርትራዊያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ንግጥም ሴካፋ ናብ ኡጋንዳ ምስ ከዱ ኣብ ምምዛም እቲ ግጥም ናብ ሃገሮም ከይተመለሱ ተሪፎም ኣለው።

እዚ አካል’ቲ መንእሰያት ኤርትራ ንሃገሮም ሓዲጎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ንምሕታት ናይ ምዃድ ተርእዮ አካል’ዩ።

እዚ ናይዞም ዳሕረዎት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራዊያን ኣብ ኡጋንዳ ምትራፍ ኣብ ዛዕባ ጉዳይ ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት ምይይጥ ከፊቱ’ሎ።

እዞም ተጻወቲ ናብ ሃገሮም ከይተመለሱ ምስ ተረፉ ኣትሌታት’ታ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝጉዓዝሉ እዋን ናብ ሃገሮም ዘይምምላስ ተርእዮ ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር ኮይኑ’ሎ ክብሉ ሓደ በዓል ስልጣን ኡጋንዳ ተዛሪቦም ።

“ኣብ ዝሓለፈ ብርክት ዝበለ ዓመታት ዝኾነ ይኹን ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ስፖርታዊ ፍጻመ ኣብ ዝህልው ገለ ካብ ተሳተፍቲ ናብ ሃገሮም ዘይምምላስ ኩነታት ዳርጋ ዝውቱር ኮይኑ’ሎ” ክብል እስማዒል ዳሃካባ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስፖርት ኡጋንዳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኩነታት ኣብ ኡጋዳን ዝተረፉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ