ኩነታት ርክብ ህዝቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ`ዩ ዘሎ?

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ድሕሪ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ርክባት ኣብ ዶባት ዘሎ ህዝቢ እናሓየለ ከምዝመጸ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

እንተኾነ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት `ቲ ተርእዮታትን፡ ፖለቲካዊ ኣንፈታቱን፡ ሕቶታት ምልዓሉ ኣይተረፈን።

ንምዃኑ፡ ኣብ`ቲ ዶባት ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል። ብወገን ህዝቢ ትግራይ ዝርኤ ዘሎ ናይ ምብጽጻሕ ስጉምቲ`ኸ ብወገን ኤርትራ ተመሳሳሊ ምላሽ ይረክብ ኣሎ`ዶ። ኣብ መንጎ ዶባት ክልተ ሉዑላዊ ሃገራት ክፍጸም ዝግብኦ ሕጋዊ ናይ ኢምግረሽን መስርሕ`ከ ከመይ ክሳለጥ ይግብኦ ዝብል ሕቶታት ሒዙ ክልተ ምሁራት ዓዲሙ`ሎ።

ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ናብዝን ናብትን ምባል ክንህወኽ የብልናን ክብል ከሎ፡ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ፡ ናይ ሰላምን ሕውነትን ስምዒት ዝደፍኦ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ምርኻቡ ክተባባዕ ዝግብኦ`ዩ ይብል።

ቀዳማይ ክፋል`ቲ ዘተ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኩነታት ርክብ ህዝቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ`ዩ ዘሎ?