ከተማኦም ማእከል ወረዳ ክትከውን ዝሓቱ ነበርቲ ዋጅራት ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ አካይዶም

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ዋጅራት ነበርቲ ባሕሪ ፀባ ማእኸል ወረዳ ክንኸውን ይግበአና ብምባል ሎሚ ረቡዕ ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ ኣካይዶም:: ተመሳሳሊ ሕቶ ብዘለዎም ነበርቲ ከተማ ማይሓንሰ ተዓጽዩ ዝቐነየ መስመር ሽረ እንዳስላሰ- ደደቢት ትማሊ ተኸፊቱ::

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ህዝቢ ንብዝሕ እዋን ድምፁ ክስማዕ ስለዘይተገበረ ዝተፈጠረ እዩ ክብሉ ገሊፆም::

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቴሌቭዥ ጣብያ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ: ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ንቅልጣፍን ሰናይ ምሕደራ ንምስፋን ሓዱሽ ኣወዳድባ ምሕደራ ይፍፀም ኣሎ ኢለን ኣብዚ ኸይዲ ዘጋጥም ክፍተት ድማ ምስ ህዝቢ ብምዝታይ ንሰርሕ ኣለና ኢለን::

ኣብ ክልል ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት "ከተማና ማእከል ወረዳ ወጅራት ክትኸውን ኣለዋ" ብምባል ነበርቲ ዞባ ደቡብምብራቕ ወረዳ ወጀራት ከተማ ባሕሪ ፀባ ሎሚ ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ ኣካይዶም:: ተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ መንግስቲ ድምፆም ክሰምዖም: ማዕኸናት ዜና እውን ብዛዕባ ሕቶ እቲ ህዝቢ ከጋውሓ ዝሓተቱ ኮይኖም: ምላሽ ክሳብ ዝረኽቡ ብሰላማዊ ሰልፊ ሕቶና ምቕራብ ክንቕፅልኢና ኢሎም::

ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ነበርቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣሰገደ ከተማ ማይ ሓንሰ፡ መስመር ሽረ እንዳስላሰ- ደደቢት ን11 መዓልታት ዓጽዮምዎ ከምዝነበረ ፀብፃብ ምቕራብና ይዝከር:: ትማሊ እቶም ነበርቲ ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ዘተ ድሕሪ ምክያዶምሕቶኦም ክቕፅሉ፡ መንገዲ ግን ክኽፈት ተሰማሚዖም::

ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ’ቲ ከባቢ ከምዝገለፅዎ ሕቶ እቲ ህዝቢ ናብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምቕራብ ተወከልቲ መሪፆም ኣለዉ:: ኣብዚ ጉዳይ ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ዓረና ንልኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ሓቲትናዮም: ህዝቢ ንብዝሕ እዋንድምፁ ክስማዕ ስለዘይተገበረ ዝተፈጠረ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳታት ከም ብሓዱሽ ንምጥያሽ ይግበር ዘሎምንቅስቓስ ክፍተታት ዘለዎን ድምፂ ህዝቢ ዘይስመዐሉን እዩ ኾይኑ ኢሎም:: ማዕኸናት ዜና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብቅልጡፍ ጸብጻብ ኣየቕርባን ብምባል ድማ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም::

መሓውራት ዜና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ፀብፃብ ዘቕረባሉ መንገዲ ሓቅነት ዝጎደሎ ኣብ ገለገለ ድማ ዝተጋነነ ኮይኑ ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ: ኣብዚ ዘለኩም ርእይቶ እንታይ እዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣይተ ዓምዶም: ኣብ ትግራይ ዘለዉ ማዕኸናት ዜና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣብግዚኡ ፀብፃብ እተዘይኣቕሪበን ካልእ ኣካል ንናይ ባዕሉ ረብሓ ከውዕሎ ይኽእል ኢሎም ምላሽ ሂቦም::

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልትግራይ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን: ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትንክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቴሌቭዥ ጣብያ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ: ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ንቅልጣፍን ሰናይምሕደራ ንምስፋን ሓዱሽ ኣወዳድባ ምሕደራ ይፍፀም ኣሎ: በዚ ኣሰራርሓ ህዝቢ ብቐረባ ኣገልግሎት ምምሕዳር ንክረክብ ዘኽእልኣሰራርሓ ይትግበር ኣሎ ዝበላ ኮይነን: ኣብዚ ኸይዲ ዘጋጥም ክፍተት ድማ ምስ ህዝቢ ብምዝታይ ንሰርሕ ኣለና ኢለን::: ወይዘሮ ሊያ ኣብዘረበአን ኣብዚ ሰሙን ማዕኸናት ዜና ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ወፍሪ የካይዳ ኣለዋ ብምባል ወቒሰን:: እዚ ድማ ኣብጉ ዳይ ምርጫን ግድብ ህዳሰንዘለዉ ዛዕባታት ንምቕያር’ ዩ ክብላ ገሊፀን:: ብተወሳኺ ዩ ትግራይ ማእኸል ህውከትን ዕግርግርን ንምግባር ዝተፍሓሰ ውዲት እዩ ኢለን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ከተማኦም ማእከል ወረዳ ክትከውን ዝሓቱ ነበርቲ ዋጅራት ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ አካይዶም