አዲስ አበባ —
ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሙርያል ባውሰል ኣብ አዲስ አበባ ዑደት ጌረን’ለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሓድሽ ኩነታት ፖለቲካ ነቲ ስምምዕ ዝያዳ ንምትግባሩ ሓጋዚ’ዩ ኢለን።
ከንቲባ ባውሰል 70 አባላት ዝሓዘ ጉጅለ ብምምራሕ’የን አዲስ አበባ ከይደን።
እዚ ኣብ መንጎ አዲስ አበባን ዋሽንግተን ዲሲን ዝተፈረመ ስምምዕ አሓት ከተማታት ነቲ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሓ ዘሓድስ’ዩ።ንዑደት ናብ አዲስ አበባ ዝኸዳ ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ሙርያል ባውሰል ምክትል ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ታከለ ኡማ ትማሊ ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5
ከተማ አዲስ አበባን ዋሽንግተን ዲሲን ስምምዕ ኣሕዋት ከተማታት አሓዲሰን ኣለዋ
ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተዛረቡ ምክትል ከንቲባ አዲስ አበባ ታከለ ኡማ ነቲ ጉጅለ ልኡካት ኣመስጊኖም።
Your browser doesn’t support HTML5
ከተማ አዲስ አበባን ዋሽንግተን ዲሲን ስምምዕ አሓት ከተማታት አሓዲሰን