ኦዲፓ ምስ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ሕብረት ንምፍጣር ይሰርሕ ምህላው ሓቢሩ

ናይ ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኦዲፒ/ ኣብቲ ክልል ምስ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ብሓባር ንምስራሕ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ገሊፁ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ እቲ ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንድኣ ሎሚ ከምዝገለፁዎ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ብዝተፈላለዩ ደረጃ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም ኣለው ኢሎም።

ብጀነራል ከማል ገልቹ ምስ ዝምራሕ ናይ ኦሮሞ ብሄራዊ ፓርቲን ብኣቶ ኣባ ነጋ ጃራ ምስ ዝመራሕ ሓድነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ’ሎ ኢሎም።

ቅድሚ ሎሚ ብኣቶ ሌንጮ ለታ ምስ ዝመራሕ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ተጣይሹ እቲ ውህደት ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።