እስራኤል: ኣብ ውሽጢ 2 ዓመታት ንራብዓይ ጊዜ ምርጫ ተኻይድ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ምርጫ 90 % ድምጺ ኣብ ዝተቖጽረሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ነታንያሁ ዝበዝሐ መናብር ዝሓዘ ይመስል።

ኣንጻር ፓርቲ ቀ/ሚ ነታንያሁ ዝኾነ የሺ ኣቲድ ካልኣይ ወጺኡ`ሎ።

ኣብ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ን4ይ ግዜ ፓርላመንታዊ ምርጫ ተኻይዱ'ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ነታንያሁ ሚኒስትር ምክልኻል በኒ ጋንትዝ ሓደ ጥሙር መንግስቲ ክምስርቱ ምስምምዖም ይፍለጥ።