እስራኤል ኣማራጽታት ግብረመልሲ ንመጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ትርእየሉ ኣመሪካ ርእሳ ክትገትእ ትላቦ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

እስራኤል ኣማራጽታት ግብረመልሲ ንመጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ትርእየሉ ኣመሪካ ርእሳ ክትገትእ ትላቦ

እስራኤል ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢራን ንዝተፈነወላ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ምላሽ ንምሃብ ትዳልው ኣብ ዘላትሉ እዋን ኣመሪካን መሻርኽታን ድማ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ንተአፋፊነት እቲ ኩነታት ብምግንዛብ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ንዘይምዕዳምን ንዘይምጉህሃርን ክጽዕር ይምሕጸኑ።

ትማሊ ሰሉስ 16 ሚያዝያ 2024 እስራኤል ካብቶም ብቐዳም ኢራን ዘወንጨፈቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሓደ እዩ ዝበለቶ ኣርእያ። እዚ ብቐጥታ ካብ መሬት ኢራን ናብ እስራኤል ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ምዃኑ እዩ።

ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ መጀመርያ እዚ ወርሒ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማስያዊ ህንፃኣ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ምዃኑትገልፅ። እስራኤል “ኢራን ሳዕቤን ተግባራታ ክትቅበል እያ። ብመሰረት እቲ ፍፃመ ድማ ምላሽና ንምሃብ ንመርፅ” ክትብል ሕነ ከምትፈዲ ቃል ኣትያ።