ኤኮዋስ ኣብ አባል ሃገራት ንዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምዝታይ ኣብ ጋና ኣኼባ የካይድ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ኤኮዋስ

መራሕቲ ዞባዊ ቁጠባዊ ደንበ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤካዋስ) ብሰሉስ ኣብ ጊኒ ቢሳዎ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ኣባል ሃገራት እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምዝታይ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ጋና ተኣኪቦም።

ወታሃደራዊ ጀነራል ነበር ፕረዚዳንት ጊኒ ቢሳዎ ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ሓይልታት ምክልኻልን ፀጥታን ኣብ እዋን መንግስታዊ ኣኼባ እናሃለው መጥቓዕቲ ምክያዱን ምፍሻሎም እንኳዕ ሓጎሰኩ ክብሉ መጉሶምዎም።

ንሶም አቲ መጥቓዕቲ እእብዝግባእ ምድላው ዝተገበረሉን ዝተዋደደን ምስ ኣብ ምዝውዋር ሓሺሽ ዝተሳፉ ሰባት ክራኸብ ዝኽእልን እዩእእ ኢሎም፥ ዝርዝር ግን ኣይሃቡን።

ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ኣብ ኣክራ ዝካየድ ኣኼባ ኤካዋስ 24 ጥሪ 2022 ኣብ ቡርኪና ፡ፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ እዩ።15 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኤካዋስ ዝዓመፁ ወታሃደራት ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ንዝተመረፁ ፕረዚዳንት ሮች ማርክ ክርስቲያን ካቦሬ ድሕሪ ምዕላዎም ንቡርኪና ፋሶ ካብ ኣባልነት ኣጊዱዋ ኣሎ።

ቡርኪና ፋሶ ንማሊን ጊኒን ስዒባ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ወታሃደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ብምፍፃም በቲ ዞባዊ ደንበ ዝተኣገደት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።እተን ሃገራት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣኼባ ወይ ውሳነ ኣይሳተፋን።

ብዝተኣሳሰረ ሕብረት ኣፍሪቃ ቡርኪና ፋሶ ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ትምለስ ካብ ኣባልነት ምእጋዱ ሶኑይ ብትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጡ።