ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ዳባት ጉዳዮም ኣቓልቦ ክወሃቦ ይጽውዑ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ዳባት ጉዳዮም ኣቓልቦ ክወሃቦ ይጽውዑ

ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ዳባት መዓስከር ኣለምዋጭ ዘለው ስደተኛታት ኤርትራ ናይ መግቢን መሰረታዊ ግልጋሎትን ፀገም ከም ዘጋጠሞም ይማርሩ ኣለዉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብወገኑ ነቶም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘለው ስደተኛታት ሓገዝ የቕርበሎም ከምዘሎ ንድምፂ ኣመሪካ ብኢሜይል ኣብዝሃቦ ምላሽ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን’ውን ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ሕጽረት ቀረባት ጠቒሱ ኣሎ።