ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሰንበት ዝጀመረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ሎሚ ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ከተማታት ጆሃንስበርግን ፕሪቶርያን ብምውጻእ ኣስታት 90 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ገሊጾም ኣለው።
ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጽመሉ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ንብረቶም ከቢድ ዕንወት ከምዘጋጠሞም ይሕብሩ ኣለው።
ኣቶ ዘሪሁን ኣብ ከተማ ጆሃስበርግ ንዝሓለፉ 9 ዓመታት ዝነበሩ ክኮኑ ከለው ብሰንኪ’ዚ ብሰንበት ዝተበገሰ መጥቓዕቲ ትካሎም ምሉእ ንምሉእ ምዕናው ሓቢሮም ኣለው።
“ብጣዕሚ ከቢድ ኩነታት’ዩ ኔሩ። ኩነታት ምስ ተላዕለ ብዓልቲ ቤተይን ወደይን ሒዘ ናብ ዓርከይ ከይደ ኣብኡ ተጸጊዓ’የ ዘለኹ ናይ ጥርሙዝ ስቶር ኔሩኒ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ’ዩ።ድሕሪኡ ገለ ዝተረፈ ንብረት ኔሩ ንዕኡ ንምዕቃብ ማዕጾ ኣዓርየ መጺአ። ናተይ ትካል ክስበር ከሎ ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ኔሩ። ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሮም ቁርብ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ጀሚሮም እምበር ክሳብ ሕጂ ፖሊስ ዋላሓደ ነገር ኣይሰርሑን ኔሮም። ክንደይ ዓመት ዝሰራሕኻሉ ብከምዚ ብሓንሳብ ክዓንው ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ።”
ብዙሓት መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታቶም ደሕንነቶም ክሕልው ብምጥንቃቕ ነዚ ተደጋጋሚ ተርእዮ ኮኒኖም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ኩነታት ምስ ተፈጥረ ብመኪና ዝሃድሙ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮዮጵያዊያን ብዘጋጠሞም ሓደጋ ህይወቶም ምሕላፎን ስነ ስርዓት ቀብሮም ሎሚ ኣብ ከተማ ጆሃስንበርግ ምፍጻሙን’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ኩነታት ሎሚ ቁሩብ ምርግጋኡ ዘዘራረብናዮም ዜጋታት ሓቢሮም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5