ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣሜሪካ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ኣብ ክልተ ሰሙን 3.8 ሚልዮን ዶላር ኣዋጺኦም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ህዝቡ

ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት፥ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣሜሪካ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ኣብ ክልተ ሰሙን 3.8 ሚልዮን ዶላር ከምዘዋጽኡ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ: 50 ኤርትራውያን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተታሕዙን ሓደ ከምዝሞተን ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ሓቢሩ።

ኣብ ኩለን ክፍለ-ግዝኣታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኩለንትናዊ ድጋፍ ዝገብር ሓይሊ ዕማም ቆይሙ፥ ሕክምናዊን ስነ-ልቦናውን ምኽርታት ኣብ ምሃብ; ከምኡ`ውን ንኤርትራውያን ዶክተራት ምስ ሕሙማት ኣብ ምርኻብ ንጡፍ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ`ውን ዝገለጸ ኣቶ ብርሃነ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ንምድጋፍ ድማ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዛጊት $3.8 ሚልዮን ዶላር ተዋጺኡ ዝበዝሐ ኣታዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ኣብ ሳውዝ ዳኮታ ዝተራእየ ጻዕቒ መልከፍቲን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ኤርትራውያንን እውን ኣቶ ብርሃነ መልሲ ሂቡ’ሎ።

ምስ`ቶም ምስ መንግስቲ ዘይሰማምዑ ኤርትራውያን`ከ ብኸመይ ትሰርሑ ዝብል ሕቶ`ውን ቀሪቡሉ፥ ኣብዚ እዋን`ዚ ህይወት ሰብ ምድሓን`ምበር ፖለቲካ ቀዳምነትና ኣይኮነን ኢሉ። ኣስዒቡ፥ ዝኾነ ሰብ ወይ ጉጅለ ብዝደለዮ ስም ኮነ ውዳበ ናብ ህዝቡ ሓገዝ ክልእኽ ዝደሊ ናጻ`ዩ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣሜሪካ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት 3.8 ሚልዮን ዶላር ኣብ ክልተ ሰሙን ምእካቦም ተገሊጹ