ኤርትራዊ ፕሮ. ኣስመሮም ለገሰ ካብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክብሪ ማዕረግ ዶክትሬት ተዋሂብዎም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ብኣንትሮፖሎጂ ብዶክተረይት መዓርግ ዝተመረቑ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ 1973፡ “Gadaa: Three Approaches to the Study of African Society” ዝብል ዓቢይ-መሰረት ዘንጸፈት መጽሓፍ ጽሒፎም።

ኣብ 2000 ድማ `Oromo Democracy: An Indigenous African Political System"ዝብል ካልኣይ መጽሓፎም ኣሕቲሞም።

ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ፕሮፈሰር ኣስመሮም፡ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ክብሪ ዶክተረይት ሂብዎም።

ምስ ፕሮፌሰር ኣስመሮምን፡ ካብ መስረቲ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር (ኦነግ) ኣቶ ለንጮ ለታ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ ፕሮ. ኣስመሮም ለገሰ ካብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክብሪ ማዕረግ ዶክትሬት ተዋሂብዎም