ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ብዛዕባ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ 2019 ራባት ሞሮኮ

ኣብ ራባት ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ዝሳተፍ ዘሎ ጋዜጠኛ ስፖርት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ፡ ኤርትራ ብሽዱሽተ ዓይነታት ስፖርት ትሳተፍ ከምዘላ ብምሕባር፡ እቲ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት እቲ ልሙድ ውጽኢት እኳ እንተዘይኾነ: ብሓፈሻ ግን ምስ 54 ሃገራት ተወዳዲርካ ዝርከብ ቀሊል ውጽኢት ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ጋዜጠኛ ክብረኣብ ነዚ ዝገለጽ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ክኸውን እንከሎ ፡ ተወዳደርቲ ብዕድመ ንኡሳን ብምኻኖም ናብ ውድድራት ኦሎምፒክን ካልእ ኣህጉራዊ ግጥማት ዘላልዮምን ዘሰጋግሮምን ብምኻኑ ዝዓበየ ብልጫ ከምዘለዎ ጠቒሱ።

ኤርትራ ኣብ ራባት ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ብሽዱሽተ ዓይነታት ስፖርት ሰደቓ ተኒስ፤ ኣትለቲክስ፤ ብሽክለታ፤ ባድመንተን፤ ምሕምባስን ቸስን ትሳተፍ ኣላ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ብዛዕባ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ 2019 ራባት ሞሮኮ


ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ስፖርት ክብርኣብ ተሳፋሚካኤል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ ነቲ ስፖርታዊ ግጥማትን ደረጃ ኤርትራን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኣትሌትክስትን ብሽክለታን ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኽቡ ተስፋ ጌሮም ከምዝመጹ ዝገለጸ ክብረኣብ ተስፋሚካኤል ኣብ ጸወታ ቸዝ ንዝተመዝገበ ውጽኢት'ውን ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሩ'ሎ።

"ቸዝ ኤርትራ ከም ሃገራዊ ፈደረሽን ካብ ዝቐውም ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ፈላማይ ኣህጉራዊ ውድድር የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ራባት ውድድ ር ድማ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓለምለኸ ደረጃታት ክኣትው ክኢሎም ኣለው" ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ብዛዕባ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ 2019 ራባት ሞሮኮ