ኤርትራዊ ኣመሪካዊ መሃንድስ ሶፍትወር ምስ ዘዳለዋ ፊደላት ግእዝ እተላሊ ምህዞ

Your browser doesn’t support HTML5

ንቘልዑ ፊደላት ግእዝ እተላልይን ምንባብ ቋንቋ ትግርኛን ኣምሓርኛን እናመሃረት እተዘናግዕ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ሶፍትዌር መሃንድስ ፊልሞን ኣብርሃ ምሂዙ። ፊልሞን ነዚ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ መጀመርያ ንደቁ ቋንቋ ትግርኛ መምሃሪ ኢሉ ዘዳለዎ ኮይኑ ድሒሩ ግን ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለው ሰብ ሞያን ካልኦትን ከምኡ'ውን ካብ ደቁ ብዝረኸቦ ግብረ-መልሲ ነቲ ጸወታ ብናጻ ኣብቲ ንሱ ንመምሃሪ ኢሉ ዘዳልዎ መርበብ ሓበሬታ መና ክርኤቲቭ(Mena Creative) ከም ዝዘርግሖ ይዛረብ።